ሕድሪ ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ ብትሪ ተቓዊሙ።

TigrayNews

ሕድሪ ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ ብትሪ ተቓዊሙ።

መቐለ 29 ጥቅምቲ 2013(ድምፂወያነ) ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተኣዊጁ ዘሎ ኣዋጅ ዂናት ከምዘይቅበሎን መንግስቲ ትግራይ ነዚ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድን መሻርኽቱን ንምድምሳስ ኣብዝገብሮ ፃዕሪ ኣብ ጎኒ ኮይኑ ከምዝቃለስ ሰብ ሕድሪ ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ ገሊፁ። ቅድሚ ሐዚ ካብቲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ብርክት ዝበሉ ምፍርራሓታት ሽርሕታትን ይበፅሑ ምፅንሖም ዝገለፀ ሰብ ሕድሪ ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ ሕዚ ግን ቅሉዕ ኣዋጅ ዂናት ተኸፊትዎ ኣሎ ኢሉ። ናይዚ መቐፀልታ ድማ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተፈፀመ ደብዳብ ነፋሪት ብትሪ ከምዝቃወሞ እውን ሰብ ሕድሪ ስቪል ማሕበረሰብ ትግራይ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣመልኪቱ።

ኣብዚ ፈታኒ እዋን ኣብ ጐኒ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ጠጠው ንዝበልኩም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ምስጋናን ንገልፅ ዝበለ እቲ መግለፂ ሕዚ እውን ኣብ መላእ ዓለም ትርከቡ ተጋሩ፣ ፈተውቲ ትግራይ፣ ኤርትራውያንን ካልኦት ደለይቲ ሰላምን ኣንፃር እዚ ዘይሕጋውን ውልቀ መላኽን ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድን መሻርኽቱን ድምፅኹም ንመላእ ማሕበረሰብ ዓለም ክተስምዑ ፃውዒት ነቕርብ ክብል ሓቢሩ።

0 0 vote
Article Rating

You may also like...

Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x