ፃውዒት ሰላምን ልዝብን ህዘቢ ትግራይ ተግባራዊ ክኸውን ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ፃዕሪ ክገብሩ ይግባእ ተባሂሉ።

ፃውዒት ሰላምን ልዝብን ህዘቢ ትግራይ ተግባራዊ ክኸውን ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ፃዕሪ ክገብሩ ይግባእ ተባሂሉ።

መቐለ 29 ጥቅምቲ 2013(ድምፂወያነ) ቢሮ ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ትግራይ ኣብዝለኣኾ ቅዋም መንግስቲ ዝትንትን ፅሑፍ ኣብ ኣራት ኪሎ ዘሎ ጉጅለ ኣብይ ንተደጋጋሚ ፃውዒት ሰላም ህዝብን መንግስትን ትግራይ ነፂጉ ኣብ ልዕሊ ትግራይን ተጋሩን ዘይተኣደኑ በደላት እናብፀሐ ከምዝመፀ ይዝከር። ሕሉፍ ሓሊፉ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዂናት ኣዊጁ ፋሽሽታዊ ተግባር ደብዳብ ነፋሪት ምፈፃም ዝጀመረ ኮይኑ ተራእዩን ተሰሚዑን ብዘይፈልጥ ብነፈርቲ ክድብድብ እየ ዝብል ቅሉዕ ኣረሜናውን ፀያፍን ዘረባ ምዝራቡ መንነት እቲ ጉጅለ ንመላእ ዓለም ጋህዲ ዝገበረ እዩ ይብል እቲ ፅሑፍ።

እዚ ኣሃዳዊ ጉጅለ ሰላማዊ ህዝቢ ብብሄሩ እናፈለየ ካብ ዝሰርሕሉ እናፈናቐለ ኣደዳ ዘረፍቲ ክኾን ካብዚ ሓሊፉ ድማ ብጥርጣረ ክረኣን ክጓነን ንዝሓለፉ ኽልተ ዓመታት ዝሰርሖ እኩይ ተግባር ኣጠናኺሩ ይቕፅለሉ ዘሎ ኮይኑ ነዚ ህዝቢ ካብ ምድረ-ገፅ ንምጥፋእ ድማ ነፈርቲ ዂናት ናብ ከተማታት ክሰድድ እየ ኢሉ ኣሎ። በዚ ከየብቀዐ ፍሩስ ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኣብ ትግራይ ግዚያዊ መንግስቲ ከነጣይሽ ወሲንና ክብሉ ዝተለመደ ድራምኦም ደጊሞምዎ ኣለዉ። ይኹን እምበር ህዝቢ ትግራይ ስዓርናኩም ጨቢጥናኩም ደርጋውያን ኣምበርኪኽዎ ኣይፈልጥን የግዳስ የሐርኖ ይብል እቲ መግለፂ።

ቀንዲ ፀላኢ ህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝኾነ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ትማሊ ንኢትዮጵያ በታቲንካ ኢኻ ትገዝኣ ንኢትዮጵያ ስራሕ 100 ዓመት ክንህባ ኢና ምስ ኣምሓራ ኣሽምባይ ሓቢርካ ምንባር ሓቢርካ ምልማን እኳ ኣይከኣልን ዝብል ዝነበረ ሕልሙን ፅልኣቱን ንከተግብር ወታሃደራዊ ምስጢር እዛ ሃገር ኣሕሊፉ ዝሃበ ብሓደ ምዃኑ እውን እቲ መግለፂ ሓቢሩ። በዚ በለ በቲ ሐዚ ተፈፂሙ ዘሎ ክሕደትን ተኣዊጁ ዘሎ ዂናትን ንኢትዮጵያ ንምብትታን ጥራሕ ዘይኮነስ መዐንደሪት ኣሸበርቲ ዝገብር ምዃኑ ብምግንዛብ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ጉጅለ ኣብይ ዝተሓሰሞ ፃውዒት ሰላም ክቅበል መንግስቲ ትግራይ ደጋጊሙ ይፅውዕ።

Source from  https://www.dmtsiweyane.com/articles/politics/5fa7ca5f8f5d4e064577a302

0 0 vote
Article Rating

You may also like...

Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x